ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ልምዓት ዝምዘን ብዝህነፅ መሰረተ ልምዓት ጥራይ ዘይኮነ ንሰባት ብዝህቦ ኣገልግሎትን ብዝፈጥሮ ዕድላትን እውን ኢሎም ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)።
3ይ ሰሙን ማይን ኢነርጂን “ኣብ ሳይንስ መስረት ዝገበረ ፖሊሲን ውሁድ ሽርክነትን ምጥንኻር፣ ንዝተረጋገፀ ውሕስነት ማይን ኢነርጂን” ብዝብል ቴማ ምክያድ ጀሚሩ።
ኣብ መኽፈቲ እቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ብወኪሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ማይን ኢነርጂን ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ልምዓት ከምዘይኮኑ ገሊፆም።
ማይን ኢነርጂን መሰረታት ውሕስነት ምግቢ፣ ጥዕና ማሕበረሰብ፣ ዕቤት ኢንዱስትሪን ሃገራዊ ዓቕሚ ምፅዋርን ምዃኖም ኣብሪሆም።
ማይ ምፍራይ ሓይሊን ፍርያም ሕርሻን ኣብ ሕርሻ እንትሕግዝ፣ ኢነርጂ ብወገኑ ማይ ንምውፃእ፣ ንምሕካም፣ ንምዝርጋሕን ስራሕቲ መስኖ ንምስፋሕን ከምዘኽእል ኣመልኪቶም።
እታ ሃገር ልዑል ዓቕሚ ማይን ተሓዳሲ ሓይሊ፣ መንእሰይ ሓይሊ ሰብን እናዓበየ ዝመፀ ሕቶ መሰረተ ልምዓትን ከምዘለዋ ብምሕባር፤ እዚ ጥንቃቐ ዝተመልኦ ምምሕዳርን ብቆፅነት ዝትግበር ስጉምትን ከምዝሓትት ኣመልኪቶም።
ልምዓት ዝምዘን ብዝህነፅ መሰረተ ልምዓት ጥራይ ዘይኮነ፣ ሰባት ብዝረኽብዎ ኣገልግሎትን ብዝፍጠረሎም ዕድላትን እውን ምዃኑ ኣገንዚቦም።
ኤሌክትሪክ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ንኣሽቱ ትካላት ንግድን ኢንዱስትሪታትን ክድግፍ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።
ብቑዓት ትካላት፣ ንፁራት ሓላፍነታት፣ ዘላቒ ፋይናንስን ውፅኢታዊ ቁፅፅርን ኣድለይቲ ምዃኖም ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ኣብሪሆም።
ብመልካም ፈቃዱ