ልዑል ዕቤት እናመዝገበ ዝርከብ ኣጀንዳ ዝተዋደደ መመሓየሺ ሕብረት ኣፍሪካ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 48 ስሩዕ ኣኼባ ኣቦ መንበር ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንጎላ ኣምባሳደር ቴቴ ኣንቶኒዮ ኣብ ኣጀንዳ መመሓየሺ ሕብረት ኣፍሪካ ልዑል ዕቤት ተመዝጊቡ ኢሎም።

መበል 48 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ “ዘላቒ ቀረብ ማይን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓት ሓለዋ ንፅህናን ምርግጋፅ፤ ንዕዉትነት ሸቶታት ኣጀንዳ 2063” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ መዓልቲ ምስላት ጀሚሩ።

ኣምባሳደር ቴቴ ኣንቶኒዮ ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ በቲ ሕብረት ዝተዋደደ መመሓየሺ ኣጀንዳ ከይዲታት መረፃ ኣመራርሓ ምዝዛም፣ ስርዓት ኣሰራርሓ እቲ ሕብረት ምምሕያሽ ተሰሪሖም ኢሎም።

“ኣብ ኣጀንዳ 2063” እንደልያ ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር ውፅኢታዊነት ንምምሕያሽን ኣብቲ ሕብረት ሜላታት ስራሕ ምሕዳስ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲ ድምፂ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ብምጉላህን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ኣብ ምጥንኻርን ሃገሮም እወንታዊ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተት ኣብሪሆም።

ቡሩንዲ ዞባ ሳህል ናይ ሰላምም ድሕንነትን መተሓባበሪት ንኽትከውን፣ ኣብ ሞንጎ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ሩዋንዳን ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ንኽፍታሕ ሓገዝ ከምዝገበረት ኣብሪሆም።

ኣጀንዳ 2063 ልዑል ትኹረት ዝወሃቦው ጉዳይ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ሕብረት ትካላዊ ማዕቐፍን ስትራቴጂካዊ ግደን ብምጉላህ ውፁእነት ፖሊሲ ምርግጋፅ፣ ኣህጉራዊ ቅዋማተ ምጥዕዓምን ቁልፊ ውሳነታት ምስንዳእ ከምዝግባእ ኣብሪሆም።

ብሶስና ኣለማየሁ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment