ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ከይዲ ህንፀት ንኢትዮጵያ ዓብዪ ፍልጠት፣ ሃፍቲን ተመኩሮን ዘምፀአ ፕሮጀክት እዩ።
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ህንፀት ብዕሊ ዝጀመረ ኣብ 24 መጋቢት 2003 ዓ.ም ልእሊ 12 ሽሕ ሰባት ዝተሳተፉ እንትኾኑ፤ካብዚኦም ውሽጢ 8 ሽሕ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ሙያታት ዝተዋፈሩ ኢትዮጵያዊ እዮም፡፡
ኣባል ኮሚቴ ቴክኒካል ኮሚቴ በለጠ ብርሃኑ (ዶ/ር) ምስ ፋና ፖድካስት ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ኢትዮጵያውያን ብሲቪል፣ መካኒካል፣ ሃይድሮሊክስ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ምሕደራ ፕሮጀክት፣ ከምኡ’ውን ጉልበት ስራሕ ተሳቲፎም።
ተሳትፎ እቶም ሰብሙያታት ልዑል ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ስግግር ንክፍጠር ብምኽኣል ዝተፈጠነን ዝማዕበለን ፍልጠትን ተመኩሮን ከም ዘስዐበ ሓቢሮም።
ለአብነትም በግድቡ አቅራቢያ የጉባ ከተማ መፈጠርን ጠቅሰው፤ ከሁሉም አካባቢዎች የመጡ የግንባታ ሰራተኞች መሰባሰቢያ የሆነች ኢትዮጵያን የምትመስል ከተማ ናት ብለዋል።
ንኣብነት ኣብ ጥቓ እቲ ግድብ ከተማ ጉባ ምፍጣር ብምሕባር፤ ካብ ኩሎም ከባቢታት ዝመፁ ህንፀት ሰራሕተኛታት ኮንስትራክሽን ዝኾነት ኢትዮጵያን እትመስል ከተማ እያ ኢሎም።
ብቴዎድሮስ ሳህለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!