ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ናይ ሎሚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ፈልሲ ንምትካል ተዳልዩ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ፍስሃ ይታገሱ (ዶ/ር) ናይቲ ኮርፓሬሽን 7ይ ዙር መርሃ ግብሪ ሓመለዋይ ኣሰር ምስ ኮሚሽነር ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር) ብምዃን ሎሚ ኣብ ፍሉይዞባ ኢኮኖሚ ቂሊንጦ ኣጀሚሮም።
ፍሰሃ ይታገሱ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዘመሓድሮም ፍሉያትኢኮኖሚ ዞባታትን ኢንዳስትሪ ፓርክታትን ፈልሲ ብምትካል መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተሳትፎ ገይሩ፡፡
ሎሚ ዓመት ኣብ ዓሰርተ ፍሉያት ዞባታት ኢኮኖሚ፣ ክልተ ኢንዳስትሪ ፓርክታትን ዞባ ናፃ ንግዲ ድሬዳዋን ዝተዳለው ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ፈልሲታት ከምዝትከሉ ሓቢሮም።
ብኣድማሱ ኣራጋው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!