ልዕሊ 130 ሚሊየን በዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ተኸልኪላ ምፅንሓ ልክዕ ኣይኮንን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ልዕሊ 130 ሚሊየን በዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ተኸልኪላ ምፅንሓ ልክዕ ኣይኮንን ኢሎም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት እናካየዱ ዝርከቡ ፕሬዚዳንት ቱርክዬ ረጀብ ጠይፕ ኤርዶዋን ሓበራዊ መግለፂ ሂቦን፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ካብተን ቅልጡፍ ዕብየት እናመዝገባ ዝርከባ ውሑዳት ሃገራት ውሽጢ ምዃና ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብዚ ዓመት 10 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ዕብየት ከምትፅበ ኣብ መግለፂኦም ኣመልኪቶም፡፡
ልዕሊ 130 ሚሊየን በዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ተኸልኪላ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ልምምዳት ውሽጢ ብፀላእትና ንነዊሕ እዋን እሱር ጂኦግራፊ ንክትኾን ምግባሩ ትኽኽል ከምዘይኮነ ኣስሚሩሉ።
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment