ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ እቲ ባጀት ዓመት ልዕሊ 15 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ፅዕነት ኣታዊን ወፃኢን ተጎዓዒዙ ኢሉ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክሰን።
ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክሰን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፥ ናይቲ ትካል ፀብፃብ ኣፈፃፅማ መደበት 11 ኣዋርሕ 2017 ዓ.ም ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ፀብፃብ ለዕሊ 2 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ዘባናዊ ዱኽዒ ከምዝተጎዓዓዘ ተዛሪቦም።
በቢዓመቱ እናተገበረ ዝመፅአ ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ እዋኑ ንምጉዕዓዝ ልዑል ርብርብ ከምዝተገበረ እውን ገሊፆም።
ብተወሳኺ ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ፈሳሲ ፍሪያታት ምጉዕዓዞም ብምግላፅ፥ እቲ ኣፈፃፅማ ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ 96 ሚኢታዊት ዝሽፍን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!