ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 21 ፋብሪካታት ኣፍረይቲ ዕሹግ ማይ ስራሕ ጠጠው ከምዘበሉ ተገሊፁ።
ፋብሪካታት ኣፍረይቲ ማይ ምስ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ፣ ሚኒስቴር ምግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን፣ ኮሚሽን ጉምሩኽን ቢሮ ንግዲ ኣዲስ ኣበባን ዘተ ይካየድ ኣሎ፡፡
ኣብ መላእ ሃገር 134 ዝኾኑ ዕሹግ ማይ ዘፍርዩ ፋብሪካታት ዝርከቡ እንትኾኑ፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት እቶም 21 ፋብሪካታት ስራሕ ጠጠው ከምዘበሉ ተገሊፁ።
ዝተረፉ ፋብሪካታት እውን ብሙሉእ ዓቕሞም እናሰርሑ ከምዘይኮነ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ተሓቢሩ።
ምውሳኽ ዋጋ ጥረ ኣቕሑትን ኣብ እዋን መሸጣ ሕጋዊ ደረሰኝ ዘይምጥቃም፣ ቀረፅ ጉምሩኽ ኢንቮይስ መሰረት ብምግባር ዘይምትእንጋዱ፣ ዝተዓሸገ ማይ ምስታይ ከም ገይፂ ብውምሳድ ኣለይቲ ዘይኮኑ ፅዕንቶታት ኤክሳይስ ታክስ ምፍጣርን ንኣፍረይቲ ቅድምት ሸርፊ ወፃኢ ዘይምሃብን ቀንዲ ማሕለኻታት ስራሕ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
ካብዚ ብተወሳኺ ቸርቸርቲ ኣፍራዪ ካብ ዝውስኾ ዋጋ ልዕሊ ሰለስተ ዕፅፊ ዋጋ ብምውሳኽ ንምኽባር ናብራ ቀንዲ ተዋሳእቲ እናኾኑ ከምዝኾኑ እቶም ኣፍረይቲ ቅርታ ኣቕሪቦም።
ብማህሌት ተክለብርሃን
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።