ልዕሊ 33 ሺሕ ሰባት ኣብ ውድድር ሙዚቃ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ንምስታፍ ተመዝጊቦም – ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ልዕሊ 33 ሺሕ ሰባት ኣብ ውድድር ሙዚቃ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ንምስታፍ ተመዝጊቦም ክሳብ ሕዚ 589 ሰባት ስራሕቶም ኣቕሪቦም ኢሉ  ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል።

ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ኣብ ዘሰናድኡዎ ውድድር ሙዚቃ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ፤ ተወዳደርቲ ስራሕቶም እናቅረቡ ይርከቡ።

ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሙኒኬሽን እቲ ኢንስቲትዩት ተስፋዬ ዘውዴ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ኣብቲ ውድድር ተዓወትቲ ንዝኾኑ ተወዳደርቲ 1 ሚሊየን ብር ሽልማት ተሰናዲኡሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተኻየደ ዝርከብ ምዝገባ ቀዳማይ ዙር ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብ ቀፃሊ እውን ተመሳሳሊ ውድድራት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ከምዝህልዉ ሓቢሮም።

ተወዳደርቲ ስረሖም ዘቕርቡ እዋን ሎሚ ለይቲ ሰዓት 6 ከምዝዛዘም ብምግላፅ÷ ዝትፋ ሰዓታት ውሑዳት ስለዝኾና ተወዳደርቲ ስራሕቶም ብቕልጡፍ ብምቕራብ ኣካል እቲ ውድድር ንኽኾኑ ኣገንዚቦም።

ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ድማ ዳያኑ ተወዳደርቲ ዘቕረቡዎ ስራሕ ፍትሓዊ ዝኾኑ መለክዒታት ብምኽታል እናገምገሙ ከምዝፈልዩ ኣመልኪቶም።

ብኣድማሱ ኣራጋው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment