ልዕሊ 5 ሺሕ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 2017 ዓ.ም ልዕሊ 6 ሺሕ ምርመራታት ብምክያድ ልዕሊ 5 ሺሕን 600 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ኢሉ ፖሊስ ፌዴራል።

ሓላፊ ዋና መምርሒን ቢሮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራልን ተወካሊ ሓላፊ ቢሮ ምርመራ ገበንን ሙሊሳ ኣብዲሳ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ቢሮ ኣብ ምርመራ ገበን ግብረ ራዕዲ፣ ምጭብርባር ታክስን ተመሳሰልቲ ገበናትን ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

ምስ ትካላትን ማሕበረሰብን ብዝተሰርሐ ስራሕ ንህዝቢ  ዘደናግሩ ስኑዓት መረዳእታታት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብምግላፅ ተሳተፍቲ ብሕጊ ንክሕተቱ ምግባር ወሲኹ ካብ ውሽጥን ወፃኢን ብዝተወደቡ ገበን ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ዝፈተኑ ልዕሊ 450 ተጠርጠርቲ ናብ ሕጊ ከምዘቕረበ ኣብሪሆም።

ኣብ ገበን ሞባይል ባንኪንግ ቀንዲ ተዋሳእቲ ልዕሊ 80 ተጠርጠርቲ፣ ብገበን ግዕዚይና 260፣ በዝውውር ዘይሕጋዊ ኣፅዋርን ካልኦት ናውቲታት ኮንትሮባንድን ዝተዋፈሩ 143 ተጠርጠርቲ፣ ብዝውውር መዐወኒ እፅ ዝተሳተፉ ናይ ወፃኢ ዜጋታት ሓዊሱ 86 ተጠርጠርቲን 25 ብዘሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ዝተዋፈሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ምውዓሉ ገሊፆም።

ስራሕቲ ምርመራ ፎረንሲክ ክብ ንምባል ብመሰረት ዝተሰርሐ ስራሕ ምርመራ ዲኤንኤ፣ ባርዕ ሓዊን ዝውውር መዐወኒ እፃትን ሳይንሳዊ ብዝኾነ መገዲ ብምምርማር ብህፁፅ ምፍላይ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።

ኣብዚ ባጀት ዓመት ልዕሊ 6 ሺሕ ምርመራታት ብምክያድ ልዕሊ 5 ሺሕን 600 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም ብምግላፅ፥ 1 ሺሕ ዝኾኑ ተጠርጠርቲ ናይ ጥፍኣት ውሳነ  ንክረኽቡ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ብቅድስት ኣባተ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment