ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ግልጋሎት መድሕን ጥዕና ኢትዮጵያ ልዕሊ 63 ሚሊየን ዜጋታት ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ተጠቀምቲ ኾይኖም ኢሉ።
እቲ ግልጋሎት ኣብ ገምጋም ኣፈፃፅማ ዓመት በጀት 2017ን ትልሚ በጀት ዓመት 2018ን ዘተ ይካየድ ኣሎ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ግልጋሎት ኣይተ ተስፋዬ ወርቁ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ሓፈሻዊ ብልፅግና ዕውት ንምግባር ኣፍራዩ ዜጋ ምፍጣር ቁልፊ ጉዳይ እዩ።
ኣብ በጀት ዓመት 2017 ኣብ ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ልዕሊ 13 ነጥቢ 67 ሚሊየን ስድራቤታት ከምዝተመዝገቡን ልዕሊ 63 ሚልዮን ዜጋታት ድማ ካብ መድሕን ጥዕና ተጠቀምቲ ከምዝኾኑን ገሊፆም።
እቲ ግልጋሎት ምስቶም ኣባላትን ውልቀ ድጎማን ልዕሊ 15 ቢሊዮን ብር እቶት ምእካቡ ሓቢሮም፡፡
ብሓፈሻ 4 ሺሕ 387 ትካላት ጥዕና መንግስቲ ውዕሊ ብምእሳር ንኣባላትን ተጠቀምቲን ግልጋሎት መድሕን ጥዕና ክረኽቡ ተገይሩ ኢሎም።
ብሰለሞን ይታየው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!