ልዕሊ 65 ሺሕን 500 ነበር ተዋጋእቲ ናብ ሰላማዊ ህይወት ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ልዕሊ 65 ሺሕን 500 ነበር ተዋጋእቲ ከይዲ ተሃድሶ ብምሕላፍ ናብ ሰላማዊ ህይወት ተመሊሶም ኢሉ፡፡

ቤት ምኽሪ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ቀረባ እዋን ብዝገበሮ ኣኾባ ጎንፂ ከትርፉ ዝኽእሉ ሰላማዊ ኣማራፂታት ብኹሉ ኣንፈት ንምፍታንን ብሰላማዊ መገዲ ንምቅላስን ንዝውስኑ ዕጡቓት ኣስላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ምግላፁ ይዝከር፡፡

ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓሮ፥ ውሳነ እቲ ፓርቲ ነበር ተዋጋእቲ ናብ ንቡር ሰላማዊን መፍረያይነትን ህይወት ንምስግጋር ዝግበር ፃዕሪ ንምዕዋት ምቹው ሃዋህው ዝፈጥር ኢዩ፡፡

ካብ ሕዳር 2017 ዓ.ም ንደሓር ልዕሊ 65 ሺሕን 500 ነበር ተዋጋእቲ ከይዲ ተሃድሶ ብምሕላፍ ናብ ማሕበረሰቦም ክፅምበሩ ከምዝገበረ እውን እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ፡፡

Comments (0)
Add Comment