ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ … በዓል ዕርቂን ትሕትናን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ልዑል ቦታ ሂባ ካብ ተኽብሮም ዓበይቲ በዓላት ሓደ ኢዩ፡፡

እቲ በዓል ኣብ ወርሒ ታሕሳስ መበል 29 መዓልቲ ዝኽበር እንትኸውን፥ ኣብ ዓርባዕተ ዓመት ሓደ ግዘ ድማ ኣብ ዘበነ ዮሃንስ 28 ታሕሳስ ይኽበር፡፡

ንኣዳም ዝተውሃበ ቃል ተስፋ ድሕነት ንኽፍፀም ነቢያት ኣዚዮም ዝናፍቑዎ ተስፋ ዝገብሩሉን ውልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላድ ከምዝፍፀም ኣሚኖም ብፆምን ፀሎትን ተወሲኖም ኣምላኽ ሰብ ዝኾነሉ ግዘ እናሓሰቡ እናተፀበዩ ፀኒሖም ኢዮም፡፡

እታ ቤተክርስቲያን ኣቐዲሙ እግዚአብሔር ኣብ ነቢያት ሓዲሩ ዝተዛረቦ ቃል ትንቢት ንኽፍፀም ክርስቶስ ንኽውለድ ብፆምን ፀሎትን ይፅበዩ ዝነበሩ ነቢያት ኣብነት ብምግባር ቅድሚ በዓል ልደት 44 መዓልቲታት ብፆም ተሕልፍ፡፡

በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሞንጎ ሰብን እግዚአብሄርን ዕርቂ ዝተፈፀመሉ ዓብዪ ናይ ትሕትና በዓል ኢዩ፡፡

ኣብ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢትዮጵያ መምህር ዝኾኑ መጋቤ ብሉይ ኣእምሮ ዘውዴ እዚ እንተረድኡ፥ ትእዛዝ ኣምላኽ ጥሒሱ ዝጠፍአ ወዲ ሰብ ኮይኑ እናሃለወ እግዚአብሄር ካብ ሰማያት ወሪዱ ስጋ ሰብ ለቢሱ ዕርቂ ንምፍፃም ከምዝኾነ ይገልፁ፡፡

ልደቱ ዕርቂ ዝተፈፀመሉ፣ ናይ ፅልኢ ግድግዳ ዝፈረሰሉ፣ ሰብን መላእኽቲን ብሓድነት ንእግዚአብሄር ዘመስገኑሉ ናይ ፍቕሪ፣ ሰላምን ዕርቂን በዓል ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ናይ እግዚአብሄርን ሰብን፣ ናይ ሰብን መላእኽቲን ኢሉ እውን ዕርቂ ስጋን ነብሲን ዝተፈፀመሉ በዓል ኢዩ፡፡

ካብ ዕርቂ ብተወሳኺ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ባል ትሕትና ከምዝኾነ እውን መጋቤ ብሉይ ኣእምሮ ዘውዴ የብርሁ፡፡

ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝተንዓቐ ፀቢብ ደምበ ምውላዱ ካብ ትሕትና ሓሊፉ ወዲ ሰብ ካብ ዝተነዓቐት ዓለም ኣውፂኡ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት፥ ናብ ሰፋሕ መንግስተ ሰማያት ምእታው ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ቤተክርስቲያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢትዮጵያ እውን እዚ ኣብነት ብምግባር ኣብ ድሮ እቲ በዓል ስርዓተ ማህሌት ብምክያድ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት በቢዓመቱ ተኽብር፡፡

ህዝበ ክርስቲያን ነዚ ዓብዪ በዓል እንተኽብር ካብ ምድርና ዝረሓቐ ፍቕሪን ሰላም ንምምላስ ብምትሕግጋዝ፣ ብትሕትናን ንኣምላኽ ምስጋና ብምቕራብን ከኽብር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣመንቲ ወንጀላውያን ኢትዮጵያን እውን ብፍሉይ ዝማሬን ፍሉይ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ብድምቀት ይኽበር፡፡

ብሃይለማርያም ተገኝ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment