ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2017 ዓ.ም(ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ምኽኣልና ደጊምና እነርእየሉ ዕለት ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።
ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ኣገልግሎት ተስፋሁን ጎበዛይ ሎሚ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ጠሚቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ ሓደ ፀሓይ 700 ሚሊየን ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ ኣጀሚሮም።
ኣብ ሓደ ፀሓይ ብዙሓት ፈልሲታት ብምትካል ክሳብ ሐዚ ናይ ባዕልና ክብረ ወሰን በቢዓመቱ እናመሓየሽና መፂእና ኢና ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ፥ ሎሚ ሓዱሽ ታሪክ ንዓለም ንምርኣይ ተዳሊና ኣለና ኢሎም።
ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 671 ሚሊየን ብምትካል ዝሓዝናዮ ክብተረ ወሰን ሎሚ ዘበን 700 ሚሊየን ብምትካል እነመሓይሸሉ ዕለት ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
ኩሉ ክፋል ማሕበረሰብ እዚ ታሪክ ንምስራሕ ድልው ክኸውን ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።
ፈልሲታት እንተክል ክሊማዊ ለውጢ ንምክልኻል፣ ውሕስነት ምግብና ንምርግጋፅ፣ ግድብና ካብ ደለል ንምሕላውን ካልኦት ብዙሓት ረብሓታትን ንምርካብ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!