ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መወዳእታ መዓልቲ መስኮት ዝውውር እዚ ክረምቲ ብዙሓት ተፃወትቲ ናብ ዝፈላለያ ጋንታታት እናተዘዋወሩ ይርከቡ፡፡
ሊቨርፑል ናይታ ጋንታን ፕሪሚዬር ሊግን ክበረወሰን 130 ሚሊየን ፓውንድ ብዝኾነ ሒሳብ ዝውውር ንኣሌክሳንደር ኢሳክን ካብ ኒውካስል ዩናይትድ ንምፍራም ተስማዕሚዓ፡፡
እቲ ተፃዋቲ ሎሚ ሕክምና ምርመራ ብምግባር ኣብ ኣንፊልድ ንሽዱሽተ ዓመታት ዘፅነሖ ውዕሊ ክፍርም ኢዩ፡፡
ብኻእ መዳይ ማንቼሰተር ሲቲ ንጣሊያናዊ ሓላዊ ልዳት ጂያንሉጂ ዶናሩማ ብ30 ሚሊየን ፓውንድ ካብ ፒኤስጂ ንምፍራም ዝተስማዕመዐት እንትትከውን፥ እቲ ተፃዋቲ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ናብ እንግሊዝ ብምምራሕ ንሲቲ ክታሙ ከምዘንብር ትፅቢት ይግበር፡፡
ብተመሳሳሊ ብራዚላዊ ሓላዊ ልዳት ማንቼሰተር ሲቲ ኤደርሰን ሞራይስ ናብ ቱርካዊት ጋንታ ፌነርባቼ ተፀምቢሩ፡፡
ተፃዋታይ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣንቶኒ ሳንቶስ ናብ ስፔናዊት ጋንታ ሪያል ቤቲስ ብቐዋሚ ዝውውር ንምፅምባር ተስማዕሚዑ፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ