ሎሚ ብብርኪ ሃገር ካብ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ኣብ ሓደ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልሲታት ክትከል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2017 ዓ.ም(ኤፍ ኤም ሲ) ሎሚ ብብርኪ ሃገር ካብ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ኣብ ሓደ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልሲታት ክትከል ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሓሙስ ብሓባር ታሪኽ ንስራሕ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ሓምለዋይን ተፃዋርነትን ዘለዎ መፃኢ ንምህናፅ ኣብ እትገብሮ ፃዕሪ መሊሳ ክትለዓል እያ ኢሎም።

ሎሚ ዘበን ዝካየድ ተኸላ ፈልሲ፥ “ብምትካል ምብራኽ” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓማውቲ ጉዕዞ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያዊያን ካብ ኩሉ ኣንፈት፣ ካብ ደጉዓን ቆላን ብሓባር ብመሰረት ዝገበርርዎ ፃዕሪ ልዕሊ 40 ቢሊየን ፈልሲ ምትካሉ ይፍለጥ።

ብመሰረት እዚ ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ 23 ሚኢታዊት ክብ ምባል ክኢሉ ኢዩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment