ሎሚ ኣርባዕተ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 19 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ኣርባዕተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።

ማንቼስተር ሲቲ ምስ ሰንደርላንድ ምሸት ሰዓት 5፡00 ክጋጠሙ ኢዮም።

ኣብቲ ሊግ መበል ካልኣይ ደረጃ ዘሎ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ኣርሰናል ዘለዎ ኣፈላላይ ነጥቢ ንምፅባብ ብርቱዕ ንሕንሕ ክገብር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ክልቲኦም ጋንታታት ኣብ ሕሉፍ ካብ ዝተራኸብሎም ሓሙሽተ ፀወታታት ማንቼስተር ሲቲ ኩሎም ብምስዓር ፀብለልታ ኣለዎ።

ኣብቲ ናይ ሎሚ መርሃ ግብሪ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ብሬንትፎርድ ምስ ቶተንሃም ሆትስፐር ፀወተኦም ካካይዶ ኢዮም።

ሊቨርፑል ምስ ሊድስ ዩናይትድ፣ ክሪስታል ፓላስ ምስ ፉልሃም ድማ ምሸት ሰዓት 2፡30 ከምዝፃወቱ እቲ መርሃ ግብሪ ይሕብር።

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment