ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ግልጋሎት ምምዛንን ፈተናን ትምህርቲ ሎሚ ዓመት 12 ክፍሊ ናይ መወዳእታ ፈተና ምድላዋት ዛዚመ ኢሉ።
ምስ ፋና ዲጂታል ፃንሒት ዝገበሩ ዋና ዳይሬክተር ግልጋሎት ምምዛንን ፈተናን ትምህርቲ ኣይተ እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) ከምዝገለፅዎ፤ ወረቐት እቲ ፈተና ኣብ መፈተኒ ማእኸላት በፂሖም፡፡
ብኢንተርኔት ኦንላይን ፈተና ዝወስዱ ተምሃሮ ድማ ምስ ሲስተም ዝተትሓሐዙ ጉዳያት ተሰሪሖም ምዝዛሙ ገሊፆም፡፡
መብራህቲን ኢንተርኔት ምቁርራፅ ከይበፅሕ ምስ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኢትዮ ቴሌኮምን ብምትሕብባር ይሰርሑ ከምዘለው እውን ገሊፆም።
ብኢንተርኔት ኦንላይን ፈተና ዝወስዱ ተምሃሮ ከይፅገሙ ኣጠቓቕማ እቲ ሲስተም ምችው ካብ ምግባር ሓሊፉ እኹል ልምዲ ክገብሩ ምፅንሖም ኣረዲኦም፡፡
ብተወሳኺ ማእኸላት ፈተና ዝኾና ዩኒቨርሲቲታት ጀነሬተራት ከዳልዋ ምግባሩ ገሊፆም፡፡
ካብ 23 ሰነ ጀሚሩ ዝውሃብ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ዘተሓባብሩን ዝፍፅሙን ኣካላት ናብ ፈተና ማእኸላት ምብፅሖም ሓቢሮም፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!