ሎሚ ዘበን 23 ሚሊየን ኢትዮጵያዊያን ካብ ሴፍቲኔት ወፂኦም-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሎሚ 26 ሰነ 2017 ዓ.ም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም መብርሂ ይህቡ ኣለዉ፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ምላሾም ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት ናይ ኢትዮጵያ ናይ ምብራኽ እዋን ምዃኑ ምግላፆም ኣዘኻኺሮም።
ሎሚ ዘበን ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ተራእዮም ዘይፈልጡ ዓወታትን ውፅኢትን ዝተመዝገብሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እዚ ንምፍፃም ህዝብን ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ንዝገበርዎ ኣስተዋፅኦ አመስጊኖም።
ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ዝተጀመረ መትከል መንግስቲ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ዓውዲታትን ብሪፎርም ምቕያር ይከኣል ኢዩ ዝብል እምነት ብምሓዝ ኢዩ።
ማክሮ ኢኮኖሚ መበገሲኡ፥ ስብራት ኢኮኖሚ፣ ውልቀ ዓውዲ ኣብ ኢኮኖሚ ዝነበሮ ግደ ምንኣሱ፣ ኣብ ግብርናን ኢንዱስትሪን ዝነበረ ውሱንነት ፍሪያት፣ ኣብ ዕዳጋ ተወዳደሩ ዝስዕር ኢኮኖሚ ዘይምፍጣሩ ዝብሉ ኣርባዕተ ነገራት
ብምሓዝ ኢዩ ናብ ሪፎርም ኢኮኖሚ ተኣትዩ ኢሎም።
ይኹን እንበር እዚ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዛዘም ዘይኮነስ ብብርኪ ዓለም ዘሎ ኩነታት እውን ተሓሳቢ ዝገበረን ምስ እዚ ምትዕፅፃፍ ዘድሊዮም ምንባሩ ገሊፆም።
ስርዓት ንግዲ ዘዛብዑ ብዙሓት ነገራት ዘጋጠምሉ ብምዃኑ ብብርኪ ዓለም ዝቕባበ ዋጋ ብ4.3 ሚኢታዊ ክውስኽ ይኽእል ኢዩ ዝብል ትንበያ ከምዘሎ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለምን ኣብ ሃገርን ብዙሓት ፈተናታት ዘለውዋ እኳ እንተኾነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 8.1 ዕብየት ምምዝጋቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣዘኻኺሮም።
ካብዚ ብምብጋስ ሎሚ ዘበን 8.4 ሚኢታዊ ዕብየት ንምምዝጋብ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ከምዝመፅአ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ልእላውነት ምግባ ንምርግጋፅ ከም ቁልፊ ተገይሩ ዝውሰድ ዓውዲ ግብርና ብ6.1 ሚኢታዊ ንክዓቢ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ገሊፆም።
ኣብዚ ዓመት 23 ሚሊየን ኢትዮጵያዊያን ካብ ሴፍቲኔት ክወፅኡ ከምዝኸኣሉ ኣብሪሆም።
ልዕሊ 50 ሄክታር መሬት ኣብዚ ዓመት ናብ ሕርሻ ከምዝኣተወ ገሊፆም።
ሌማንት ትሩፋት ኣብ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዘ ዝተኣታተወ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እዚ ኣብ ምውሳኽ ፍሪያት ፀባ፣ መዓር፣ እንቆቖሖን ካሊእን ርኡይ ለውጢ ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ ዓውዲ ግብርና ብመንግስቲ ልዑል ጠመተ ተዋሂቡዎ ዝስራሕ ዘሎን ልዑል ውፅኢት ዝተመዝገበሉን ከምዝኾነ ገሊፆም።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment