ሓምለዋይ ኣሰር ንትውልዲ ምችውቲ ሃገር ንምህናፅ ልዑል ተበግሶ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓምለዋይ ኣሰር ንትውልዲ ምችውቲ ሃገር ንምህናፅ ልዑል ተበግሶ ስለዝኾነ ተሳትፎና ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና ኢሎም ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ።

ኣባላት ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ከተማ ሸገር ክፍለ ከተማ መነ ኣብቹ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም።

ዋና ኣካቢ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ እቲ ክልል ሰለሞን ታፈሰ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ሓምለዋይ ኣሰር ንወለዶ ዝተመሓየሸትን ምችውቲን ሃገር ናይ ምህናፅ ኣጀንዳ ብምዃኑ ኩሉ ዜጋ ብንቕሓት ክሳተፍ ይግባእ፡፡

ሓበራዊ ኣብ ዝኾኑ ሃገራዊ ጉዳያት ብሓባር ምስላፍ ይግባእ ዝበሉ እቶም ኣካቢ፥ ንኣብነት ድማ ኣብ ልምዓት፣ ሰላምን ምርግጋፅ ኩለመዳይ ምዕባለ ሃገርን ብሓባር ምስላፍ ከምዘድሊ ፀሪሖም፡፡

መንግስቲ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ኣብዚ ኸይዲ ንኽሳተፉ ምቹው ኩነታት ከምዝፈጠረ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment