ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንተግባራዊ መፍትሒታት ለውጢ ከባቢ ኣየር ዘለዋ ቆራፅነት ዘርእይ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ብምትሕብባር 2ይ ጉባኤ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣፍሪካ ካብ 8 ክሳብ 10 መስከረም 2025 ዓ.ም.ፈ ከምተተኣናግድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም።
እቲ ጉባኤ ንስትራቴጂ ለውጢ ከባቢ ኣየር ቁልፊ ዝኾነ ተፈጥሮ መሰረት ዝገበረ መፍትሒ ምፍላጥ፣ ኣብታ ኣህጉር ዳግማይ ሓምለዋይ ንምኽዳን ሓድነት ኣፍሪካ ምጉልባት ጠመተ ዝገብር ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡
ኢትዮጵያ ንመፃኢ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምድላዋት እናገበረት ምዃና ብምሕባር፤ እዚ ድማ ንተግባራዊ መፍትሒታት ለውጢ ከባቢ ኣየር ዘለዋ ቆራፅነት ዘርእይ እዪ ኢሎም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እቲ መልእኽቲ ግልፂ እዩ ÷ኣብ ተፈጥሮ ብምስራሕ፣ መፍትሒን ኣማራፂታትን ንምዕባይ ኢኮኖሚ ዝመርሕ ስነ-ምህዳር ኣብ ምፍጣር ትኹረት ክንገብር ይግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ÷ኢትዮጵያ ንተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ንምቕባል ድልውቲ እያ ኢሎም፡፡