ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓምለዋይ ኣሰር ኩለ መዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘላቒ ንክኸውን ዘኽእል ኢዩ ኢሎም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)።
ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ቤት ፅሕፈት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ኣብ ሓደ ፀሓይ መርሃ ግብሪ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰር ፈልሲ ተኺሎም።
እቶም ሚኒስትር፥ ሓምለዋይ ኣሰር ኩለ መዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘላቒ ንክኸውን ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።
ሓምለዋይ ኣሰር ምዕባለ ኢትዮጵያ ምስ ተፈጥሮ ዝተጠዓዓመ ንክኸውን ልዑል ግደ የበርክት ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።
ስለዝኾነ እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ሓለዋ ከባቢን ምርግጋፅ ሉእላውነት ምግቢን ኣብ ዝግበር ርብርብ ዘተባብዕ ውፅኢት ከምዘርከበ ተዛሪቦም።
#ሓምለዋይኣሰር
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!