ሓምለዋይ ኣሰር ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ እጃሙ ልዑል እዩ – ቢልለኔ ስዩም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሓምለዋይ ኣሰር ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅን ተሓዳሲ ሓይሊ ንምስፍሕፋሕን እጃሙ ልዑል እዩ ኢለን ሓላፊት ፕሬስ ሴክሪታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም፡፡

ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ትልሚ ንምዕዋት ዜጋታት እናነቃቕሑ ከምዝርከቡ ተዛሪበን፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንግሆ ኣብ ጅማ እቲ መርሃ ግብሪ ድሕሪ ምጅማሮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ መፂኦም ምስ ኣመራርሓታት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣባላት ሓለዋ ሪፓብሊካንን ኣብ ጎቦ የካ ፈልሲ ምትካሎም ሓቢረን፡፡

ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ፍራፍረን ካልኦት ንብዙሕ ረብሓ ዘለዎም ፈልሲታትን ይትከሉ ከምዘለዉ ብምሕባር፤ እዙይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ልዑል ግደ ኣለዎ ኢለን፡፡

 

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment