ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ሲዳማ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2017 ዓ.ም ”ብምትካል ማንስዕራር”ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ወረዳ ዳራ ኦቲልቾ ተኻይዱ፡፡
ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ደስታ ሌዳሞ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኣብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ብዙሕ ረብሓ ዘለዎም ፈልሲታት ንምትካል ኣድላዪ ምድላው ተገይሩ፡፡
ብመሰረት እዚ ልዕሊ 307 ነጥቢ 7 ሚሊየን ፈልሲታት ኣበ 23 ሺሕ 300 ሄክታር መሬት ንምትካል ምድላው ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ሓቢሮም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተተኸሉ ፈልሲታት ጭቡጥ ውፅኢት ከምዘምፅኡ ብምግላፅ÷ እቲ መርሃ ግብሪ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።
ፈልሲ ምትካል ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል፣ ንፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ፣ ምጉሕጓሕ ሓመድ ንምክልኻን ንካልኦትን ኩለመዳይ ረብሓታት ከምዘለዉዎ ኣብሪሆም፡፡
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እቲ ክልል ዝርከብ ሕብረተሰብ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ንቑሕ ተሳትፎ ንኽገብር እቶም ርእሰ ምምሕዳር ፃውዒት ምቕራቦም፡፡
ቤት ፅሕፈት እቶም ርእሰ ምምሕዳር ንፋና ዲጂታል ገሊፁ፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!