ሓምላይ ኣሰር ብዝሃ ህይወት ንክሕሎ ልዑል ግደ ኣበርኪቱ – ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መርሃ ግብሪ ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ኣሰር ንምዕባይ ብዝሃ ህይወት ንክሕሎ ልዑል ግደ ኣበርኪቱ ኢሎም ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)፡፡

ኢንስቲትዩት ብዝሃ ህይወት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዘካይዶ ዘሎ ተግባራት ብዝምልከት ምስ ክልላት ንምምኽኻር ዘዳለዎ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።

ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበለዎ÷ ኢትዮጵያ ብዝሃ ህይወት ሃፍቲታት ከምዘለውዋ ብምግላፅ ኣብቲ ዓውዲ ዘበርከተቶ ግደ ምጥንኻር የድልይ ኢሎም፡፡

መብዛሕትኡ ብዝሃ ህይወት ዝርከብ ካብ ኣግራብ ብምዃኑ ሽፋን ደኒ ምዕባይ ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ በብዓመቱ ትትግብሮ ዘላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሽፋን ደኒ ኣብ ምዕባይ ብዝሃ ህይወት ንክሕሎ ልዑል ግደ ኣበርኪቱ ኢሎም፡፡

ሓለዋ ስራሕ ብዝሃ ህይወት ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባር ተፀዋዕቲ ትካላት ቢሮ ሕርሻ ዘለዎም ግደ ልዑል ብምዃኑ ብምውዳድ ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ብሃይለማርያም ተገኝ

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment