ሓምሻይ ዙሪያ ውድድር ናይ ተዓወትትቲ  ተዓወትትቲ ፋና ላምሮት ፅባሕ እውን ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓምሻይ ዙሪያ ውድድር ናይ ተዓወትትቲ  ተዓወትትቲ ፋና ላምሮት ፅባሕ እውን ክካየድ ኢዩ።

ፅባሕ ኣብ ምድብ ክልተ ዘለዉ ሽዱሽተ ተነሓናሕቲ ምስ ባንድ ኮከብ ልዑል ንሕንሕ ከካይዱ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ እዮቤል ፀጋዬ፣ ናሆም ነጋሽ፣ ሱራፌል ደረጄ፣ ካሳሁን ዘውዱ፣ ኣብርሃም ማርልኝን ናሆም ካሳዬን ብቐጥታ ፈነወ ክነሓንሑ ኢዮም።

ኣብቲ ውድድር ከም ልሙድ ሓደ ጋሻ ኣብ ዳይነት ክህሊ ኢዩ።

እቲ ውድድር ብፋና ቴሌቪዥንን ካልኦት ኩሎም ኣማራፅታት ማሕበራዊ ሚዲያን ብቐጥታ ፈነወ ክመሓላለፍ ኢዩ።

ኣብ 13 ዙሪያ ኣርባዕተ ዝበለፁ ተነሓናሕቲ ብምሓዝ ንሕንሕ ፍፃመ ዘካይድ ፋና ላምሮት ውድድር ናይ ተዓውትትቲ ተዓወትትቲ ልዕሊ 3 ነጥቢ 3 ሚሊየን በር ሽልማት ተሰሊዖሉ ኣሎ።

ናይ ፅዋዕን ሓዱሽ ሙዚቃን ህያብ እውን ክወሃብ  ኢዩ።

ብለምለም ዮሃንስ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment