ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃፍቲታት ባህሊን ቱሪዝምን ንምፍላጥ ዕላማ ዝገበረ ሓምሻይ ዙር ሰሙን ቱሪዝም ኦሮሚያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ሓዊሱ መዳርግቲ ኣካላት እቲ ዓውዲ ይሳተፉ ኣለዉ።
ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ቱሪዝም እቲ ክልል ነጋ ወዳጆ፥ እቲ ሰሙን ቱሪዝም ብቐንዱ ሃፍቲታት ባህሊን ቱሪዝምን ንምፍላጥን ኣብ መንጎ መዳርግቲ ኣካላት ጠንካራ ምትሕብባርን ዝምድናን ንምፍጣርን ተሓሲቡ ዝተሰናደአ ኢዩ ኢሎም።
ከባቢታት ቱሪዝም ንምፍላጥ ንዝግበሩ ዘለዉ ተግባራት ሓገዝ ክገብር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።
ብታምራት ደለሊ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!