ሓረስቶትና የፍርዩ ጥራሕ ኣይኮኑን ዘለዉ፤ ካብ እታዎታቶም እውን ዋጋ የፍርዩ ኣለው -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሓረስቶትና የፍርዩ ጥራሕ ኣይኮኑን ዘለዉ፤ ካብ እታዎታቶም እውን ዋጋ የፍርዩ ኣለው ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳ ገፆም ኣብ ዘስፈርዎ ፅሑፍ፤ ኣብ ምንቅስቃሳት ስራሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ሓረስቶት ጊቤ ዲዴሳ ዑደት ምክያዶም ገሊፆም፡፡
ኣብ 1996 ዓ.ም ዝጣየሸ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ሓረስቶት ጊቤ ዲዴሳ 207 ማሕበራት ፈላማይ ብርኪ ዝሓቖፈ እዩ ኢሎም።
እቲ 167 ሺሕ ሓረስቶት ዘገልግል እቲ ማሕበር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን እታዎታት ሕርሻ ካብ ምቕራብ ሓሊፉ ናብ ፍርያቱ ዋጋ ምዕባዩ ኣረዲኦም፡፡
እቲ ማሕበር ኣብ ቀረባ ዘመናዊ መጥሓን እኽሊ ዘጣየሸ እንትኾ ኣብ መዓልቲ 1200 ኩንታል ሕሩጭ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ሓቢሮም፡፡
ኣብ 2 ነጥቢ 8 ሄክታር መሬት ዝተሃነፀ ፋብሪካ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ግዝያውን ቀዋምን ዕድል ስራሕ ምፍጣሩ ገሊፆም፡፡
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment