ሓረስቶት ዝጀመርዎ ስራሕ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ምዃኑ ዘርእይ ኢዩ – ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፍሪያት ብምስሳን ናብረኦን ንምቕያር ሓረስቶት ዝጀመርዎ ስራሕ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ምዃኑ ዘርእይ ኢዩ  ኢሎም ሚኒስትር ግብርና ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ።

እቶም ሚኒስትር ሎሚ ኣብ ክልል ሲዳማ ከባቢ ሃዋሳ ብሓረስቶት ዝካየዱ ዘለዉ መንቅስቓሳት ልምዓት ኣሕምልቲ ዑደት ኣካይዶም።

ቅድመ ሐዚ ሓገዝ ዝስፈረሎም ዝነበረ ሓረስቶት ኣብ ልምዓት ኣትክልቲ ተዋፊሮም ብምግቢ ንባዕሎም ካብ ምኽኣል ብተወሳኺ ዝሓሸ እቶት ይረኽቡ ኣለዉ ኢሎም።

ኣብቲ ክልል ኣብ ቀዳማይ ዙር 80 ሺሕ ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ኣሕምልቲ ምልምዑ እውን ገሊፆም።

ካብቲ ኣሕምልቲ 18 ኩንታል ፍሪያት ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

ፍሪያት ብምስሳን ናብረኦን ንምቕያር ሓረስቶት ዝጀመርዎ ስራሕ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ምዃኑ ዘርእይ ኢዩ  ከብሉ ገሊፆም።

ብጥላሁን ይልማ

ምሳና ስርሑ ፍሪያትኩምን ኣገልግሎትኩምን ኣፋልጡ!

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment