ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያዊያን ሓበራዊ ምትሕብባር ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዛዘመ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ቀፂሉ ድማ ህንፀቶም ዝተጀመሩ ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክታት ድኽነትን ካብ ምስዓር ሓሊፉ ሓበራዊ ያታታት ኢዮም ኢሎም ምሁራንን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን።
ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ጆን ኣሕመድ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተጀመረ ህንፀት ፕሮጀክት ፋብሪካ ዘበናዊ ዱኽዒ ንሓረስቶት ይኹን ንመላእ ኢትዮጵያዊያን ልዑል ዓወት ሒዙ ዝመፅአ ኢዩ ኢሎም።
እቲ ፕሮጀክት እንትዛዘም ሓረስቶት ንሕርሻ ዘድሊ እታወት ብቐሊሉ ዘርክብ ዕድል ከምዝፈጥር ኣልዒሎም።
ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክታት ድኽነትን ካብ ምስዓር ሓሊፉ ሓበራዊ ያታታት ኢዮም ብምባል ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ትውልዲ ዝኾርዐሉ ሓበራዊ ታሪኽና ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርትን መገዲን ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣወቀ ኣይሸሽም (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ዝተጀመሩ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ንህንፀት ሃገርን ሓድነትን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎም ሓቢሮም።
እናተገበሩ ዝርከቡ ምንቅስቓሳት ልምዓት መንእሰይ ወለዶ ብስፍሓት ተሳተፍቲ ብምዃን ንባዕሉ ምቕያርን ንዕቤት ሃገሩ ኣስተዋፅኦ ምብርካት ንኽኽእል እናገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምሁር ታሪኽ ዝኾኑ ደቻሳ ኣበበ÷ ዝተዛዘሙን ዝተጀመሩን ፕሮጀክታት ኣብ ሕብረተሰብ ልዑል ምንቕቓሕ ብምፍጣር መናእሰይ ዕድሎም ዶብ ሰጊሮም ምኻድ ሓዲጎም ኣብ ሃገሮም ዝሐሸ ነገር ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ከምዘመልክት ገሊፆም።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!