ሓበሬታ ሳተላይት ብዘይምቁራፅ ዝቕበል ቴክኖሎጂ ስራሕ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስና ጂኦስፓሻልን ሓበሬታ ሳተላይት ብዘይምቁራፅ ዝቕበል ቴክኖሎጂ ስራሕ ጀሚሩ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣብዲሳ ይልማ (ዶ/ር) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ናይ ክልል ከተማታትን ብዘይ ምቁራፅ ካብ ሳተላይት ሓሬታ ዝቕበሉ ቴክኖሎጂታት ካብ ዝርከቡ 10 ማእኸካት እቶም ትሽዓተ ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ተዛሪቦም።

እቲ ቴክኖሎጂ ንፕላን ከተማ፣ ንኮንስትራክሽን፣ ትራንስፖርት፣ ሕርሻን፣ ሜጋ ፕሮጀክታትን፣ መዓድንን ካልኦት ኣገልግሎታትን ንምዝማንን ምስላጥን ልዑል ግደ ከምዝፃወት ኣብሪሆም።

ኣብ ቀፃሊ ካልኦት ተወሰኽቲ ማእኸላት ቴክኖሎጂ ኣብ ከተማታት ንምስፋሕ እናተሰር ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።

ሚኒስትር ዴኤታ ከተማን መሰረተ ልምዓትን ፈንታ ደጀን ብግደኦም÷ እቲ ቴክኖሎጂ ናብ ስራሕ ምእታዉ ኣብ ከተማታት ዝላ ዘለዎ ለውጢ ንምፃእ እንገብሮ ፃዕሪ ዝድግፍ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ናብ ዲጂታል ኣሰራርሓ እትገብሮ ጉዕዞ መሰረት ካብ ዝኾኑ ስራሕቲ ሓደ ኢ ዝበሉ ድማ ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሙሉቀን ቀሬ ኢዮም።

ሓበሬታ ሳተላይት ብዘይምቁራፅ ዝቕበል ቴክኖሎጂ እዋናዊ ሓበሬታታት ብምእካብ ቅድሚ ሕዚ ብጂፒኤስ ብዙሓት መዓልቲታት ይወስድ ዝነበረ ሓበሬታ ናይ ምእካብ ስራሕ ኣብ ሒደት ሰዓታትን ደቓይቕን ምርካብ ዘኽእ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብቅድስት ኣባተ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment