ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ሓለዋ ሪፐብሊካን ኣብ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ወረዳ 8 ንዓቕመ ደካማታትን ኣረጋውያንን ዝኸውን ህንፀት ገዛውቲ ጀሚሩ።
ህንፀት እቶም ገዛውቲ ዘጀምሩ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ሓለዋ ሪፐብሊካን ሜጀር ጀነራል ብርሃኑ በቀለ፥ እቲ ሰራዊት ምክልኻል ዝተውሃቦ ሕገ-መንግስታዊ ልኡኽቶ ምሕላው ሰላም ሃገር ካብ ምውፅኡ ጎድና ጎድኒ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ብዕቱብ ካብ ምስታፍ ሓሊፉ ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ናይ ባዕሉ ግደ እናበርከተ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዘን ሰዓትን ኣብ ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓቱ ብሓይሊ ንምፍራስ ዝመፅእ ሓይሊ እንተሃሊዩ ብዘተኣማምን ኩነታት እናመከተ ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ ክቕፅል ብምግባር ህዝባዊነቱ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣገንዚቦም፡፡
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ዶክተር ሃና የሺንጉስ ብግደአን፥ እቲ ሓይሊ ሓለዋ ሪፐብሊካን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ጎኒ እቲ ክፍለ ከተማ ብምዃን ህዝባዊ ሓገዛት እናገበረ ከምዝርከብ ገሊፀን፡፡
ሕዚ እውን ኣብቲ ክፍለ ከተማ ንዘኽታማት መንበሪ ሰሪሑ ንመሃብ መርሃ ግብሪ ምጅማሪ ዝምስገንን ህዝባዊነቱ ዘመስከረ ሰናይ ተግባር ከምዝኾነን ምግላፀን ካብቲ ሰራዊት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…ይግበሩ/ራ!