ሓደሽቲ ኣምፃእቲን ለኣኽቲን ቁፅሪ ሒሳብ ብሄራዊ ባንኪ ኣብ ሓደ መስኮት ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ፍቓድ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ኣምፃእቲን ለኣኽቲን ቁፅሪ ሒሳብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብኮሚሽን ጉምሩኽ ኢትዮጵያ ኣቢሎም ኣብ ሓደ መስኮት ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ፍቓድ ሂቡ፡፡

እቲ ባንኪ ምስ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ሓዱሽ ፍቓድ ንዘውፅ ኣምፃእቲን ለኣኽቲን ከይዲ ኣወሃህባ ቁፅሪ ሒሳብ ብሄራዊ ባንኪ ዘቃልል ሓዱሽ ዲጂታል ኣገልግሎት ኣፋሊጦም፡፡

እቲ ኣገልግሎት ቁፅሪታት ሒሳብ እቲ ባንኪ ብኮሚሽን ጉምሩኽ ኣገልግሎት ሓደ መስኮት ኣቢሎም ብዘይምንም ውፃእ ውረድ ንኽወሃብ ብምግባር ምምሕዳራዊ ከይዲታት ዝንኪን ስሉጥ ናይ ንግዲ ኣሰራርሓ ዘድግፍ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ሓዱሽ ኣገልግሎት ንፈለማ እዋን ቁፅሪ ሒሳብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ንዘውፅኡን ሓዱሽ ፍቓድ ንዝረኸቡን ኣምፃእቲን ለኣኽቲን ጥራሕ ዝምልከት ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡

Comments (0)
Add Comment