ሓደገኛ ዘይሕጋዊ ኣዘዋዋሪ ሰባት ይትባረክ ዳዊት ምስ መሻርኽቱ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም እናተደለየ ዝነበረ ሓደገኛ ዘይሕጋዊ ኣዘዋዋሪ ሰባት ይትባረክ ዳዊት (ክብሮም) ምስ መሻርኽቱ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሉ፡፡

ልዕሊ 3 ሺሕ ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምዝውዋር፣ ልዕሊ 100 ሰባት ንሞት ዘቃለዐን ልዕሊ 50 ደቂ ኣንስትዮ ክድፈራ ዝገበረን ይትባረክ ዳዊት (ክብሮም) ምስ 9 መሻርኽቱ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓል ምርመራ ብምዝዛም ናብ ዓቃቢ ሕጊ ከምዝለኣኸ ፌደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ ዘሎ።

እዚ ዝተሓላለኸን ዶብ ዘለልን ምርመራ ገበን፤ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ንምክልኻል ምስ ዝሰርሕ The Regional Operational Centre in support of the Khartoum process (ROCK) ዝተብሃለ ትካል ብዝገበሮ ልውውጥ ሓበሬታ ኢዩ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሉዎ።

በዚ ድማ ብብርኪ ዓለም እናተኣለሸ ዝነበረ ሓደገኛ ዘይሕጋዊ ኣዘዋዋሪ ሰባት ይትባረክ ዳዊት ኣለሙ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽሬ ፖሊስ ብዝተዋደደ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዐሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ተጠርጣሪ ብናይ ፓስፖርት ሽሙ ይትባረክ ዳዊት ኣለሙ ስድርኡ ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ዘውፅኡሉ ሽም ጳውሎስ ዳዊት ወልዳይ፤ ገበን ምስራሕ እንትጅምር ዝፍለጠሎም ሽማት ኣድሓኖም ሱዳን፣ ኣሕመድ ሱማሊያ ጅቡቲን ኬንያ ዝጥቀመሉ ሽም ሙኒር እንትኸውን ክብሮም ድማ ኣብ ስዊድንን ካልኦት ሃገራት ኣውሮፓን ዝጥቀመሎም ናይ ሕሶት ሽማት ከምዝኾኑ ፖሊስ ብምርመራ ከምዘረጋገፀ ሓቢሩ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment