ሓዱሽ መለለዪ ቁፅሪ ሰሌዳ ተሽከርከርቲ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ሓዱሽ መለለዪ ቁፅሪ ሰሌዳ ተሽከርከርቲ ዕላዊ ገይሩ፡፡

እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም፡፡

ኣብ መግለፂኦም ድማ እቲ ሚኒስቴሩ ሓደሽቲ ዓይነታት መለለዪ ቁፅሪ ሰሌዳ ተሽከርከርቲን ምልክታትን መወሰኒን መምርሒ ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ቁፅሪ 1050/2017 ከምዘሰናደአ ፀሪሖም፡፡

ብመሰረት እቲ መመርሒ ድማ መለለዪ ቁፅሪ ሰሌዳ ተሽከርከርቲ ብሓዱሽ ከምዝተተከአ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም፡፡

ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ መለለዪ ቁፅሪ ሰሌዳ ተሽከርከርቲ ኣሰራርሑኡን ምክፍፋልን ናይ ኣሰራርሓ ክፍተትን ብኽነት ሃፍቲን ይረኣየሉ ከምዝነበረ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ሓዱሽ መለለዪ ቁፅሪ ሰሌዳ ተሽከርከርቲ ንኢትዮጵያ ዝገልፁ መለለዪታት ዝሓዘ ከምኡ እውን ዓለም ለኸ መለክዒ ዝተኸተለ እንትኸውን÷ 50 ሺሕ ታርጋታት ብመርአያ ከምዝተሰናድኡ ተሓቢሩ፡፡

በአሸናፊ ሽብሩ

Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment