ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣሜሪካን እስራኤልን ቅድሚ ሒዲት መዓልቲታት ብዝፈፀምኦ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ዝተቐተሉ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ ብካልኣይ ወዶም ሞጅታባ ኻሜኒ ተተኪኡ።
እዚ ወዲ 56 ዓመት መንእሰይ ሞጅታባ ኻሜኒ ኣብ ኢራን ዝኾነ ናይ መንግስቲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዘይህቡ፣ ብዕሊ ንግግር ምግባር ዘይፍለጥ ዋላ ይኹን እንበር ነታ ሃገር ፖለቲካ ብድሕሪ መጋረጃ ዓብዩ ፅልዋ ከምዘለዎ ይሕበር።
በዙይ ዝተለዓለመራሒ ኢራን ኣያቶላህ ሞጅታባ ኻሜኒ ስሞም ብሰፊሑ ዝዝረበሎም ሰብ ነይሮም።
ኣብ 1969 ዓ.ም.ፈ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ከተማ ማሽሃድ ዝተወለዱ ሞጅታባ ኻሜኒ፤ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቶም ኣብ ቴህራን ዓላቪ መንፈሳዊ ትምህርት ቤት ተማሂሮም።
ብመሰረት ፀብፃባት ማዕከናት ዜና ኢራን፤ ሞጅታባ ኻሜኒ ወዲ 17 ዓመት ከሎ ናብ ሰራዊት ምክልኻል ዝተፀንበረ ኮይኑ ኣብ ኲናት ኢራንን ኢራቕን ንሸሞንተ ዓመታት ንሃገሮም ኣገልጊሎም።
ሞጅታባ ኣብ 1999 ዓ.ም.ፈ ድማ ናብታ ኣብ ኢራን እትርከብ ቅድስቲ ከተማ ቆም ተጓዒዞም መንፈሳዊ ትምህርቲ ሺዓ ተከታቲሎም።
ኢራን ን36 ዓመታት ዝመርሕዋ ድሕሪ ሞት መራሒኣ ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ ኣብ ዕግርግር ኣብ ዝርከበሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሞጅታባ ኻሜኒን ንኣቡኡ ተኪኡ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኮይኑም ኣለው።
ብኣቤል ነዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!