ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ግመ ክረምቲ ንብሩህ ፀሓይ ወርሒ መስከረም ቦታኡ እናለቐቐ ኢትዮጵያ ብሓዱሽ ተስፋ ዝተዓጀበ ሓዱሽ ዘበን ንምቕባል መዓልቲ እናቖፀረት ትርከብ።
በዓል ሓዱሽ ዓመት ከምዝቐረበ ዜና ተብስር ዕምበባ ገልገለመስቀል እናዓምበበት ጎቦታትን ኣኽራናትን ብብጫ ናይ ተስፋ ቀለም እናልበሰት ስለትርከብ መዓልቲ ሓዱሽ ዓመት እናበፀሐ ንህዝቢ እናነቓቕሑ ይርከቡ።
ምእታው በዓል ኣብ ሞንጎ ኣቕረብቲን ዓደግቲን ዝግበሩ ምትእስሳራት ኣብ ገዛ ምስ ስድራቤት ካብ ዝግበር ኣከባብራ ማዕረ ዝናፈቕ ናይቲ በዓል ድባብ እዩ፡፡
ብጎራዙ ደቂ ኣንስትዮ ጭፈራ ከምኡ እውን ዕምበባታት ብምስኣል ንጎረቤትን ዘመድ ኣዝማድን ብህያብ ንምብርካት ዝግበር ናይ ደቂ ተባዕትዮ ህፃናት ምድላው በዓል እቲ ዕለት ካብ ምድማቕ ሓሊፉ ኢትዮጵያዊ ባህሊን ታሪኽን ንትውልዲ መሳገሪ መገዲ እዩ፡፡
ኢትዮጵያን ኣብ ዓለም መድረኽ ፍሉይ ዝገብራ ሓዱሽ ዓመት እታ ሃገር ብባህላዊ ዜማታትን ተስፋ ብዝህቡ መግለፂታታን ዝደመቐ ተፈታዊ በዓል እዩ፡፡
ድምፃውያን ብዘሰናድኡዎም መድረኻጽ ሙዚቃ ዝፀንሑን ሓደሽቲን ናይ ሓዱሽ ዓመት ዜማታት ናይ ይቅርታ፣ ሓድነትን ሰላምን መልእኽቲ ሒዞም ይስምዑ።
መስከረም መልክዕ ሓዱሽ ተስፋ ብምዃና ገጠምቲን ፀሓፍቲን ነዚ መንፈስ ዘጉልሁ ስራሕቲ ስነ ፅሑፍ ብምቕራብ ዕዱማት የነቓቕሑ።
ካብ ሕድሕዳዊ ምትሕግጋዝ ዜጋታት ብተወሳኺ መንግስቲ ናይ በዓል ፍርያታት ብእኹል ኩነታት ንሕብረተሰብ ንኽቐርቡን ዕዳጋ ንኽረጋጋእን ዝገብሮ ፃዕሪ ኣብ እዋን በዓላት ኩሉ ሰብ ብሓጎስ ንኸኽብር ዝገብር እዩ።
ኣብ እዋን ነሓሰን ጳጉሜንን ፅባቐ ገልገለመስቀል ንምድሪ ከምዘድምቓ፤ ሓዱሽ ዓመት እውን ንሃገርና ብስራት ሰላም፣ ልምዓትን ምዕባለን ሒዙ ከምዝመፅእ ይእመን፡፡
ብምህረት ደምሴ