ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ መበል 90 ዓመት መዓልቲ ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዘርኢ መርበብ ሓበሬታ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ መበል 90 ዓመት መዓልቲ ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዘርኢ መርበብ ሓበሬታ ዕላዊ ኮይኑ።

ሕብረተሰብ ምድላው መበል 90 ዓመት መዓልቲ ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብመርበብ ሓበሬታ  etaf90years.com ሓፈሻዊ ሓበሬታ ከምዝረክብ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ሕብረተሰብ ኣብቲ መዓልቲ ምስረታ ንኽሳተፍ እውን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ገሊፁ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ መበል 90 ዓመት በዓል መዓልቲ ምስረታኡ ኣመልኪቱ ዘውፀኦ መግለፂ ሙሉእ ትሕዝቶኡ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-

12 ነሓሰ 1921 ዓ.ም ቴክኖሎጂ ኣቪዬሽን ናብ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝኣተወ ይኹን እምበር ሓይሊ ኣየርና ከም ትካል ውዳበ ሒዙ ብዕሊ ዝተመስረተ 20 ሕዳር 1928 ዓ.ም ኢትዮጵያዊ ሻለቃ ሚሽካ ባብቼፍ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኮይኖም ኣብ ዝተመደቡሉ ዕለት ኢዩ፡፡

ጅግና ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ 90 ዓመታት ኣብ ዘቑፀረ ታሪኽ ምስረታኡ በቢዘበናቱ ሉኣላዊነት ሃገር ብምሕላው ዘኹርዕ ታሪኽ ዘለዎ ውሩይ ሽም ዘለዎ ትካል ኢዩ፡፡ ሓይ ኣየርና ኣየር ክልል ኢትዮጵያ ብጅግንነት ካብ ምሕላው ሓሊፉ ብብርኪ ዓለም ኣብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ብምውፋር ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ ሓፍ ኣቢሉ ኣውለብሊቡ ኢዩ፡፡

ኣምባሳደር ሰላም ምዃኑ ብተግባር ኣርኢዩ ኢዩ፡፡ ብዓወትን ብመስዋእትነትን ዝደመቀ ታሪኽ እውን ኣንቢሩ ኢዩ፡፡ ኣብ መዳይ ስልጠና እውን ካብ ባዕሉ ሓሊፉ ናይ ካልኦት ሃገራት ሰብ ሞያ ሓይሊ ኣየር ኣሰልጢኑ ኢ፡፡ መበል 90 ዓመት በዓል መዓልቲ ምስረታ ሓይሊ ኣየር “ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምልክት ናፅነትን ” ብዝብል ዋና መሪሕ ቃል ካብ 15 ክሳብ 19 ጥሪ 2018 ዓ.ም ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ብድምቀት ክኽበር ኢዩ፡፡

መበል 90 ዓመት መዓልቲ ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ምኽባር ዝጀመረ እንትኸውን ናይዚ ኣካል ዝኾነ “ንዕቤት ሓይሊ ኣየር ብሙሉእ ዓቕመይ ክጎዪ እየ” ብዝብል መሪሕ ቃል 21 ሕዳር 2018 ዓ.ም ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ዓለም ለኸ ጉያ ውድድር ጉያ 10 ኪሎ ሜትሮ ብድምቀት ተኻይዱ ኢዩ፡፡

ካብዚ ብምቕፃ ፃብ 15 ክሳብ 19 ጥሪ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ዝህሉ መርሃ ግብሪ ዝስዕቡ ኩነታት ዝሓዘ ንፈለማ እዋን ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለን ንካልኣይ ግዘ ብኣሰናዳእነት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ‘ናይ ኣናብስ ሰማይ! ኢትዮጵያ’ ብዝብል መሪሕ ቃል ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ሓይሊ ኣየር ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ፣ ጉጅለ ምርኢት ሓይሊ ኣየር ሩሲያ፣ ሓይሊ ኣየር ሞሮኮን ሓይሊ ኣየር ቼክ ሪፐብሊክን ብሓባር ምርኢት ኣየር ጥቁር ኣንበሳ 2026 ብድምቀት ክካየድ ኢዩ፡፡

መበል 90 ዓመት መዓልቲ ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ሞንጎ ዝካየዱ መርሃ ግብሪታት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ጦር ሰራዊ ምክልኻል ከምኡ እውን ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ሃገርና “ንሃገር ብምግልጋል ዝርከብ ክብሪ ምዝካር” ብዝብል መሪሕ ቃል ምስ ሕብረተሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ህዝባዊ ዘተ ክግበር ኢዩ፡፡

ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ኣከባብራ ዝገልፅን ታሪኽ ሓይሊ ኣየር ብዝበለፀ ዘፍልጥ፣ ዝርዝርከ ምድላዋት ዘርኢ ከምኡ እውን ናይ ዝሓለፉ ዓመታትን ከይዲ ለውጢ እቲ ትካል ዝቓኒን etaf90years.com ዝተብሃን ናይ ኢቨንት መርበብ ሓበሬታ ዘለዎ እንትኸውን ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኩሎም መደባት እቲ በዓል ምርካብን መእተዊ ትኬት ምዕዳግን ምክትታል ይከኣል፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ etaf90years.com ይጎብንዩ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment