ሕልምና ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ንኣፍሪካ ዝሃንፅ ወለዶ ምፍጣር እዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሓቋፊ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ብምዕባይ ሕልምና ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣፍሪካ እውን ዝሃንፅ ወለዶ ምፍጣር እዩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።

3ይ ፎረም ዕድል ፈጠራ ስራሕ ኣፍሪካ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ፎረም ኣብ ዘስምዕዎ መኽፈቲ መደረ÷ “ኣፍሪካ መሬት መንእሰያት እያ÷ መንእሰያትና ሸክምና ዘይኮኑስ ናይ ፅባሕ ናይታ ኣህጉር ተስፋን ዓቕምን እዮም÷ ንሕና ንጭቡጥ ተግባራትና ድማ ይፀበዩ” ኢሎም፡፡

እዚ ፎረም ናብ ዕድል ፈጠራ ስራሕ፣ ክእለትን ሓድነትን ናብ ዝኾን ምንቅስቓስ ንክቅየር፣ ኣጀንዳ ንኹሉ ንክኾን ናብ ዓለማዊ ደረጃ ክንዓቢን፣ ዝተሳገረ ራእይን ተግባርን ሓሊፍና ንመንእሰያትና ዝምጥን ፅባሕ ንፍጠር ክብሉ ፃዊዒት ኣቕሪቦም።

ናይ 10 ዓመት ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኣጀንዳና ጭርሖ ጥራሕ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ዕብየት፣ ፍትሓዊ ተረባሕነትን ማንም ናብ ድሕሪት ዘይተርፋሉ ኩነታት ኢኮኖሚ ንምፍጣር እናተሰርሐ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡

መሓውር ኢኮኖሚናን ውሽጣዊ ሪፎርም ብምግባር እናቐየርና÷ ኣብ ዓቕሚ ሰብ ኢንቨስት እናገበርና ናይ ፅባሕና ንሃንፅ ኣለና ኢሎም፡፡

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር መልክዕ መሬትና ጥራሕ ዘይኮነስ ንህይወት ደቂ ሰባት እውን ይቕይር ከምዘሎ ብምግላፅ፣ ህዝቢ ተሓባቢሩ ዝተኸሎ 30 ቢሊየን ፈልሲ ካብ ልምዓት ደኒ ሓሊፉ ዕድል ስራሕ ፈጢሩን ሃገራዊ ሓበን ዝተገለፀሉ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡

ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ ሓረስቶት ምስ ዕዳጋታት ብምርካብ ሓሳብ ዘለዎም ዕድል ስራሕን ሰንሰለት እሴታትን ይፈጥር ምህላዉ ብምሕባር÷ ሕርሻ ንምዝማን ኢኮኖሚ ብቕልጡፍ ንክዓቢን ብዝበለፀ ንኹሉ ዝሓቁፍን ክኸውን ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡

ብለይኩን ኣለም

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment