ሕቡራት መንግስታት ንኣፍሪካ ዝውሃብ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ – ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሕቡራት መንግስታት ንኣፍሪካ ልምዓት ብልፅግና ዝግበር ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፡፡
መበል 39 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ “ዘላቒ ምርግጋፅ ማይን ኣተሓሕዛ ስርዓት ፅሬት፤ ምዕዋት ዕላማታት ኣጀንዳ 2063” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ይርከብ።
ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ቀዋሚ መቀመጢ ከምዘድልያ ኣፅንኦት ሂቦም።
እቲ ሕብረት ኣብ ሰላም፣ ዘላቒ ዕብየትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝድነቕ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ዋና ፀሓፊ፤ ኣብ ደቡብ ሱዳን ከምኡ እውን ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝረኣዩ ጎንፂታት ንምፍታሕ ንምርግጋዕን ብትኹረት ክስራሕ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment