ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ መዳረግቲ ኢኮ-ቱሪዝም ንምስፋሕ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝንኣዱ እዮ ኢሉ ትካል ቱሪዝም ሕቡራት መንግስታት።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ዱባይ ሕቡራት ኤማሬት ዓረብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ መንግስታት ዓለም ጎና ጎኒ ምስ ዋና ፃሓፊት እቲ ትካል ሸይካ ኣል ነዋይስ ዘትዮም።
ኣብ ዘትኦም ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ቱሪዝም፣ ዘላቒ ልምዓትን ፋይናንስን እቲ ዓውዲ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ዘትዮም።
እተን ዋና ፀሓፊት ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ ንኢኮ-ቱሪዝም መዳረግቲ ንምስፋሕ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ልምዓት ቱሪዝም ንኢደን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!