ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንበዓል ሓድሽ ዓመት ናይ እንኳዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ኣሕሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብምኽንያት ሓዱሽ ዓመት ናይ እንኳዕ ኣብፅሓኩም መልእኽቲ ኣሕሊፎም።

ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ዘሕለፍዎ ናይ እንኳዕ ኣብፅሓኩም መልእኽቲ ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ናይ ትምኒት ሰላም ገሊፆም።

ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላም፣ ሓድነትን ልምዓትን ክሰፍን ዝተመነዩ እቶም ኣቦ ወንበሩ፣ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሓባራዊት፣ ሰላማዊን ዝማዕበለትን ኣፍሪካ ንምግባር፣ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎ ቆራፅነት ኣረጋጊፆም።

ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ንሓድነት ኣፍሪካ፣ ናፅነትን ንሓባራዊ ዕላማታት እታ ኣህጉርን ዘበርከተቶ ታሪኻዊ ግደ ንኢዶም።

ብተመሳሳሊ በይነ መንግስታት ምስራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ በዓል ሓዱሽ ዓመት ናይ ሰላምን ፍቕርን ክኸውን ተመንዩ።

 

 

Comments (0)
Add Comment