ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 28፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሕብረት ኣፍሪካን ኣሜሪካን ዘለዎም ስትራተጂካዊ ርክብ ንምጥንኻር ተሰማሚዖም።
ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሞሓመድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ ሓጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ፍራንክ ጋርሲያ ተዛትዮም።
ኣብቲ ዘተ፣ ኣብ መንጎ ኣፍሪካን ኣሜሪካን ዘሎ ናይ ነዊሕ እዋን ሽርክነት ንምሕዳስን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቁልፊ ጉዳያት ሓሳባት ንምልውዋጥን ዘኽእል ከምዝነበረ ተገሊፁ።
ኣቦ መንበር ሞሓመድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብቲ ዘተ ናይ ክልቲኦም ወገናት ታሪኻዊ ዝምድና ብምዝካር፣ ኣብ መፃኢ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካን ኣሜሪካን ኣብ ሓባራዊ ተረባሕነት ዝተመስረተ ምትሕብባር ክጠናኸር ከምዝግባእ ገሊፆም።
ሓጋዚ ሚኒስተር ጉዳያት ኣፍሪካ ኣሜሪካ ፍራንክ ጋርሲያ ብወገኖም፣ ኣሜሪካ ንኣፍሪካ ቀዳምነት ትኹረት እትህባ ኣህጉር ምዃና ገሊፆም።
ምምሕዳሮም ምስ ሕብረት ኣፍሪካን ኣባል ሃገራቱን ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ብቐረባ ንምስራሕ ዘለዎ ቆራፅነት እውን ኣረጋጊፆም።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ማዕቀፍ “ስትራተጂካዊ ናይ ሓባር ኢንቨስትመንት ስራሕ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪካን ኣሜሪካን” ዝርከቡ ናይ ትኹረት ኣንፈታት ገምጊሞም።
ብፍላይ ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን፣ ሰላምን ድሕነትን፣ ዲፕሎማሲ፣ ከምኡውን ምዝርጋሕ መሰረተ ልምዓት ዘሎ ምትሕብባር ክዓቢ ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ብእመቤት ሲሳይ