ሕብረት ኣፍሪካን ዩናይትድ ኪንግደምን ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ንምጥንኻር ተሰማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ ሚኒስትር ኮመንዌልዝ፣ ልምዓትን ጉዳያት ወፃእን ዩናይትድ ኪንግደም ኩፐር ኢቬት ተዛትዮም።
ኣብ ዘትኦም ክልቲኦም ወገናት ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪካን ዩናይትድ ኪንግደምን ዘሎ ምሕዝነት ንምጥንኻር ብሕጊ ዝምራሕ በዓል ብዙሕ ወገን ስርዓት ዓለም ንምሕላው ቆራፅ ምዃኖም ኣረጋጊፆም፡፡
ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብቲ እዋን፤ ዩናይትድ ኪንግደምን ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ምሕዝነት ኣብ ዓለም ለኸ ዲፕሎማሲ ዘለዋ ግደ ንኢዶም።
ብፍላይ እተን ሃገራት ምስ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ለውጢ ከባቢ ኣየር፣ ፀጥታን ንግድን ሓዊሱ ብቀዳምነት ዝውሃቦም ምትሕብባር ናእዳን ኣቕሪቦም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment