ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተርኣየ ህዝባዊ ቆራፅነት ሕቶ በሪ ባሕሪ ተረባሕነት ምድጋም ከምዝግባእ ምሁራን ተዛሪቦም፡፡
እቶም ምሁራት ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ተረባሕነት በሪ ባሕሪ እዋኑ ዝጠልቦ ጉዳይ ህልውናን ብሄራዊ ረብሓን ምዃኑ ገሊፆም።
ተንታኒ ፖለቲካ ሰኔሳ ደሚሴ፤ ኩነታት ናብራ ህዝቢ ከይዓገቶ ህንፀት እቲ ግድብ ኣብ ጫፍ ንምብፃሕ ከምዝተኸኣለ ሕቶ በሪ ባሕሪ መልሲ ክረኽብ ድጋፍን ፃዕሪን ክግበር ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡፡
በዓል ሞያ ዲፕሎማሲን ዓለም ለኸ ርክብ ጥላሁን ሊበን ብግዲኦም÷ ሓድነት ብምጥንኻርን ብሰላማዊ መንገዲ ሕቶ በሪ ባሕሪ ዝምለሰሉ መገዲ ምምችቻውን ከምዝግባእ ሓቢሮም፡፡
ሕቶ በሪ ባህሪ ተረባሕነት በይኑ ዓወት ክከውን ከምዘይኽእል ዝገለፁ እቶም ምሁራን፤ ዋና ዕላማ በሪ ባሕሪ ተረባሕነት ንምርግጋፅ ከምዝኾነ ኣረዲኦም፡፡
ብመቅደስ ከበደ