ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተመራማሪ ትካል መፅናዕቲ ሰላም፣ ልምዓትን ፀፅታን ዩንቨርስቲ ጁባ ቶንጊክ ማጆክ (ዶ/ር)፥ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምላሽ ምርካብ ለምዓት እዛ ሃገር ካብ ምድጋፍ ብተወሳኺ ቀጣና መብራቕ ኣፍሪካ ተረባሒ ዝገብር ኢዩ ኢሎም።
ቴር ማጆክ (ዶ/ር) “ሰሃት ሂዋር” ምስ ዝተብሃለ ምድላው ዓረብኛ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምላሽ ምርካብ ኩለ መዳይ ረብሓ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።
ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ለውውጥ ንግዲ ምቅልጣፍ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዕድላት ዝፈጥረለን ሃገራት እዚ ቀጣና እቲ ሕቶ ምላሽ ዝረኽበሉ ኩነታት ምድጋፍ ከምዘለወን ኣገንዚቦም።
ሕቶ በሪ ባሕሪ ሃገራት እዚ ቀጣና ዝርበሓሉ ጉዳይ ከምዝኾነ ንምግላፅ ሰትራቴጂ ቀሪፅካ መስራሕ ከምዝግባእ አወን ሓቢሮም።
ኣብቲ ሕቶ ዝሓሸ ምርዳእን ምግንዛበን ክህሉ ይግባእ እውን ኢሎም።
ናይቲ ሕቶ ምምላስ ዕድል ስራሕ ዘንግስ፣ ማሕበራዊ ዝምድና ዘጠናኽር ከምኡውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ለውውጥ ንግዲን ዘጠናኽር ብምዃን ብምውዳድ ጠመተ ሂብካ ከስረሐሉ ዘግባእ ጉዳይ ኢዩ ኢሎም።
ብኑርሁሴን ዓብዱልሃፊዝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!