ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብናይ ሎሚ ትውልድ ክምለስ ኢዩ – ጄኔራል ይመር መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብናይ ሎሚ ትውልድ ክምለስ ኢዩ ኢሎም ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሓላፊ ዋና መምርሒ ትምህርቲን ስልጠናን ጄኔራል ይመር መኮንን፡፡

ብሄራዊ ማሕበር ሰራዊት ኢትዮጵያ ትኹረቱ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገበረ መድረኽ ዘተ እናካየደ ይርከብ።

ጄኔራል ይመር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያን ቀይሕ ባሕሪ ዓሚቕ ተፈጥሮኣዊ ምትእስሳር ዘለወን ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገፅ ኢዮም፡፡

ኣብ ታሪኽ ናይ ወፃኢ ወረራ መከላኸሊ ጋሻ፣ መራኸቢን መስመር ንግዲናን ነይሩ ዝበሉ እቶም ጄነራል÷ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ተሳትፎን ዝህልዋ ተበፃሕነትን ምርግጋፅ ብሄራዊ ረብሓኣን ሉኣላዊነታን ንምሕላው ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ዘልዐለቶ ሕቶ ህልውና ጎንፂ ዝቕስቅስ ዘይኮነስ ሓበራዊ ተረባሕነትን ዞባዊ ምትእስሳርን ንምርግጋፅ ዝግበር ፃዕሪን መምርሒ ሂብካ ምቕባልን ዘቐደመ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ዞባ ብመሰረተ ልምዓት ብምትእስሳር ሓድነት ህዝቢታት እቲ ዞባ ከምዘጠናኽር እውን ሓቢሮም፡፡

ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ጉዳይ ህልውና ስለዝኾነ ኣብታ ሃገር ዝረከቡ ኣባላት ብሄራዊ ማሕበር ሰራዊት ኢትዮጵያ ክግንዘቡ ይግባእ እውን ኢሎም።

ብመራኦል ከድር

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment