ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናይ ምድፋእ ፈተነ ዓለም ለኸ ሕጊታት ዝፃባእ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናይ ምድፋእን ምዕፃውን ፈተነታት ዓለም ለኸ ሕጊታት ዝፃባእ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ብፍላይ ሓደ ሓደ ሃገራት ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ እናሰጎመኦ ዝርከባ በሪ ባሕሪ ናያ ምዕፃው ኣካይዳ ዓለም ለኸ ሕጊ ዝፃባእ ከምዝኾነ በዓል ሞያ ዓለም ለኸ ሕጊ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣበበ ከበደ (ዶ/ር) ኣብሪሆም፡፡

ንኣብነት ድማ ግብፂ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ተጎራበትቲ ሃገራት ብሕታዊ ሓላፍነት ብምምሳል እናጋወሐቶ ትርከብ ጉዳይ ዓለም ለኸ ሕጊ ዝፃረር ታራ ፕሮፓጋንዳ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቶም ዓለም ለኸ ምሁር ሕጊ ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ፕሮግራም ሓደ ዕድል ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ መምርሒታት ዓለም ለኸ ሕጊ ባሕሪ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝድግፉ ከምዝኾኑ ኣገንዚቦም፡፡

ኢትዮጵያ ነዚ ሕጊ መሰረት ብምግባር ንዞባዊ ሓበራዊ ተረባሕነት ዘቕረበቶ ሕቶ በሪ ባሕሪ ናይ ምድፋእን በሪ ናይ ምዕፃውን ፈተነታት ተቐባልነት ከምዘይብሎም እውን ኣብሪሆም፡፡

ብፍላይ ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ክዛዘም ኣብ ጫፍ ምብፅሑ፤ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘዕቢን ዞባዊ ፅዕንቶን ተሰማዕነታን ክብ ዘብል ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን ናይ በሪ ባሕሪ ሕቶኣ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ምርካቡ ድቃስ ዝኸልኦም ሓይሊታት፤ ንኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ንምፍልላይ ምንቅስቓስ እናገበራ ከምዝኾና ሓቢሮም፡፡

ይኹን እምበር ኢትዮጵያ ብፍላይ ምስ ኬንያን ጅቡቲን ዘለዋ ምትሕብባር ኢኮኖሚን ንግዲን ከምኡ እውን ሰላምን ድሕንነትን ጥንኩር መሰረት ዘለዎ ብምዃኑ ምስ ሃገራት እቲ ዞባ ናይ ምፍላይ ድሌታት ክዕወቱ ከምዘይኽእሉ ኣፍሊጦም፡፡

ብሃይለማርያም ተገኝ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment