ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ልዕልነት ሃገር ዝውስን ኢዩ – ተስፋዬ በልጂጌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጂጌ (ዶ/ር)ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ልዕልነት ሃገር ዝውስንን ኩሉ ብሓባር ፀኒዑ ጠጠው ዝብለሉን ኣጀንዳ ብሄራዊ ረብሓ ኢዩ ኢሎም።

ሕቶ በሪ ባሕሪ ናይ ወደብ ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነስ ዓባይነት ኢትዮጵያ ዝውስን ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ቅድም ኣብ ዝበሉ ስርዓታት እቲ ሕቶ ንዘልዕሉ ሰባት ተዋጋእቲን ሃገር ዘደባልቕን ገይርካ ናይ ምቑፃር ስሕተት ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ሎሚ እውን ዝተሰሓሓተ ያታ ዝደግሙ ኣካላት ከምዘለዉ ብምሕባር÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያውያን ብሓባር ኣብ ሄራዊ ረብሐኦም ፀኒዖም ጠጠው ክብሉ ይግባእ ኢሎም።

ድሌት ምልማዕ ኢትዮጵያ ንኽዕወት ተሳትፎ ዜጋታት ክጉልብት ከምዘለዎን ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ብዝበለፀ ክጠናኸር ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ናይ ምድማር መንግስቲ ኢትዮጵያዊ ክብሪታት ሕውነት ጎልቢቶም ንኽወፅኡን ንህንፀት ሃገር ዓምዲ ክኾኑ ብትግሃት እናሰርሐ ከምዝኾነን ኣመልኪቶም።

ወናንነት በሪ ባሕሪ ብዝምልከት ኢትዮጵያ እተልዕሎ ሕቶ እኹልን ዘእምኑን ምኽንያታት ከምዘለዉ ኣብሪሆም።

እቶም ቀንዲ ምኽንያታት ድማ ምስ ታሪኻዊ፣ መልክኣ ምድራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ሕጋዊ መሰረታት፣ ጉዳያት ፀፅታን ድሕንነትን ዝራኸቡ ኢዮም ኢሎም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብዝተገበረ ዘተ እቲ ሕቶ በሪ ባሕሪ ሰፊሕ ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ ከምዝኾነ ምግርግጋፁ እውን ሓቢሮም።

ብዘይካ ሒደት ታሪኻዊ ፀላእቲ መብዛሕትኡ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ናይቲ ሕቶ ፍትሓውነት እናተረደአ መፂኡ ኢዩ ዝበሉ ተስፋዬ (ዶ/ር)÷ ኢትዮጵያ ኣብ ማያዊ ሃፍታ ከይትጥቀምን ካብ ማያዊ ኣካላት ንኽትርሕቕነ ዝተዋደሰ ሽርሒ እናተሰርሐላ ምፅንሑ ኣዘኻኺሮም፡፡

ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ ወሰንቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ብሄራዊ ረብሓታት ኩሎም ዜጋታት ግልፂ ቅዋም ክህልዎም ከምዝግባእ ምትሕስሳቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment