ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ሃገር ለኸ ፀወታታት ናይ ፅባሕ ተረከብቲ ሃገር መናእሰይ ሃገሮምን ባህሎምን ንኽፈልጡ ዕድል ዝፈጥር መድረኽ ኢዩ ኢሎም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር “ስፖርት ንህብረ ኢትዮጵያ ሓርበኝነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ጅማ ዝተሰናደአ 6ይ መላእ ፀወታ ስፖርት ኢትዮጵያ ኣጀሚሮም።
በዚቲ እዋን ድማ ነቲመሪሕ ሓሳብ ብትኽክል ኣብ ትገልፅን ንዘበናት መናሃርያ ህብረ ብሄራዊነት ኣብ ዝኾነትን ናይ ኣባ ጅፋር ሃገር ጅማ ዝተጀመረ ፀወታ ስፖርት መናእሰይ ስፖርተኛታት ኣድላዪ ናይ ህይወት ክእለት፣ ኣካታታይነት፣ ፍትሓዊነት፣ ጉጅል ዕዮን ሓላፊነትን ንኸማዕብሉ ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም።
ስፖርት ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ዜጋታት መፍጠሪ ኢዩ፤ ዝነቕሐን ዝበቕዐን ወለዶ ዝፈርየሉን ዓውዲ ኢ ዝበሉ ኣይተ ተመስገን÷ ነዚ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዘውተሪ ስፖርትታት ብኣናእሽተይ፣ ማእኸለዎትን ብልዑልን ብርኪ እነሃንፅ ኣለና ክብሉ ገሊፆም።
ንኣብነት ድማ ሎሚ ዝተጀመረን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ንትሽዓተ ዓመታት ተቛሪፁ ዝፀንሐ መላእ ፀወታታት ኢትዮጵያ ዓብዪ መርአዪ ከምዝኾነ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢኦም ፅሒፎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!