መልእኽቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡-

እንዃዕ ን2018 ሓድሽ ዓመት ኣብፅሐኹም።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መዛዘሚ ግድብና ብስራት፣ ብኩሎም ዝተለምናዮም ተግባራት ዝነበረና ኣፈፃፅማ ሰናይ ኮይኑ ሓሊፉ፡፡

ክንድቲ ዝግበኣና ዋላ ኳ ኣይኹን እንኽእሎ ሰሪሕና፤ዝተርፈና ዋላ እኳ ተሃለወ ዓብዩ ዓወት ረኺብና፡፡

ካብ ሎሚ ፅባሕ ይበልፅ። ዘይተነኽአ ብዙሕ ሃፍቲ ኣሎ። ንሕና እውን ካብ ትማሊ ብዙሕ ተማሂርና ልምዲ ኣለና። ዘካዕበትናዮ ብዙሕ ትብዓት ኣለና።

ፅባሕ ካብ ትማሊ ዝበልፅ ዓበይቲ መደባት ኣብ ቅድሜና ኣለዉ። እዞም ትልምታት እንትፍፀሙ ናይ ትማሊ ኢትዮጵያ ካብ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ዝፈልዩ እዮም።

ኩላትና ንኢትዮጵያ ንፈትዋ ዳግመ ብራኸ ኢትዮጵያ ሓቢርና ንትጋህ፣ ውፅኢታዊ ንኹን፣ታሪኽ ንስራሕ።

ርሑስ ሓዱሽ ዓመት፤ ሰናይ ናይ ስራሕ ዓመት ይኹነልና።

Comments (0)
Add Comment